Tigray Today

Tigray Today ዜና | ትንተና | ወቕታዊ ሓበሬታ | ትግራይ

01/08/2026
🚨 ቀታሊ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ዝነበረ እሱር ሃለዋቱ ጠፊኡ!ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ንጀነራል ሰዓረ መኮንንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብምቕታል ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ዝነበረ ኣ...
27/07/2026

🚨 ቀታሊ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ዝነበረ እሱር ሃለዋቱ ጠፊኡ!

ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ንጀነራል ሰዓረ መኮንንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብምቕታል ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ዝነበረ ኣስር ኣለቓ መሳፍንት ጥጋቡ ሃለዋቱ ከምዘይተፈለጠ ተገሊፁ።
መሰረት ሚድያ ካብ ምንጭታት መንግስቲ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ነቲ ተኸሳሲ ካብቲ ኣብ ቤት-ህንጸት ኣባ ሳሙኤል ዝርከብ "ዞባ 22" ዝበሃል ክፍሊ ወሲዶምዎ ኣለው። እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ንምንታይ ዕላማን ናበይን ከም ዝወሰድዎ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ቤት-ህንጸት እውን ነዚ ፍጻመ ኣረጋጊጹ 'ዩ።
ኣስር ኣለቓ መሳፍንት ናይ ቀረባ ሓላው ጸጥታ ጀነራል ሰዓረ ዝነበረ እንትኾን፣ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃቦ እኳ እንተሓተተ ጠበቓታት ግና ቅድሚኡ ገበናዊ ሪከርድ ስለ ዘይብሉ ናብ ናይ ዕድመ ልክዕ ጽኑዕ ማእሰርቲ ከም ዝተቐየረ ይዝከር።
🔗 ፍልፍል፦ መሰረት ሚድያ

⚡️ ዓበይቲ ውሳነታት ካብ ቤት ምኽሪ ትግራይ! ⚡️ሎሚ 19 ሓምለ 2018 ዓ.ም ዝተኣከበ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዛዕባ በጀትን ሓደስቲ ሹመታትን ዘሕለፎም ውሳነታት፦💰 65+ ቢልዮን ብር ...
26/07/2026

⚡️ ዓበይቲ ውሳነታት ካብ ቤት ምኽሪ ትግራይ! ⚡️

ሎሚ 19 ሓምለ 2018 ዓ.ም ዝተኣከበ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዛዕባ በጀትን ሓደስቲ ሹመታትን ዘሕለፎም ውሳነታት፦

💰 65+ ቢልዮን ብር በጀት!
ናይ 2018/2019 ዓ.ም በጀት ትግራይ ልዕሊ 65 ቢልዮን ብር ንኽኸውን ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ።

👥 ሓደስቲ ሓለፍቲ ቢሮ፦
ብፕረዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝቐረቡ፦
👉 ዶ/ር ረዳኢ በርሀ — ቢሮ ንግድን ልምዓት ዕዳጋን
👉 ኣይተ ተወልደብርሃን ተስፋኣለም — ቢሮ ሰላምን ፀፅታን
ሹመቶም ብቤት ምኽሪ ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ ኣሎ።

#ትግራይ

26/07/2026

ቤት ምክሪ ትግራይ በጀት ዓመት 2019 ዓ/ም 65 ቢልዮን ብር ኣጽዲቑ

25/07/2026

ተባዕ ኣደ ���

🌼 በዓል ኣሸንዳ/ዓይኒ-ዋሪ/ማርያ/ፀሞረይ 2018 ዓ.ም ብዕሊ ተበሲሩ!በዓል ኣሸንዳ (ዓይኒ-ዋሪ/ማርያ/ፀሞረይ) ዘበን 2018 ዓ.ም **"ንዘላቒ ሰላም፣ ልኣላውነትን ምሕዝነትን ህዝብታት"*...
24/07/2026

🌼 በዓል ኣሸንዳ/ዓይኒ-ዋሪ/ማርያ/ፀሞረይ 2018 ዓ.ም ብዕሊ ተበሲሩ!

በዓል ኣሸንዳ (ዓይኒ-ዋሪ/ማርያ/ፀሞረይ) ዘበን 2018 ዓ.ም **"ንዘላቒ ሰላም፣ ልኣላውነትን ምሕዝነትን ህዝብታት"** ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር ብዕሊ ምብሳሩ ተገሊፁ።

ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ ነሓሰ ብድምቀት ዝኽበር እዚ በዓል፣ ወርቃዊ መግለፂ ነፃነት፣ ሓድነትን ክብሪን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾነ ተሓቢሩ ኣሎ።

📌 ካብ ዘረባ መራሕቲ ዝተወሰዱ ቀንዲ ነጥብታት፦

✨ **ምክትል ፕረዚደንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ — ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፦**

* እቲ በዓል ባህላዊን ሃይማኖታዊን ትሕዝትኡን ክብሩን ሓልዩ ብድምቀት ክኽበር ይግባእ።
* ኣብ ቴንዳታት ዝርከቡ ተመዛበልትና ዝሕልፍዎ ዘለው ከቢድ ፀገምን ብሰንኪ ኲናት ዘጋጠመ ወፅዓ ደቂ ኣንስትዮን ክዝከር ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።
* "በዓል ኣሸንዳ ናይ ትግራይ እዩ፤ ካብ ትግራይ ወፃእ እንተተኸበረ ፀገም እንተዘይሃለወ እኳ፣ ባህልን መንነትን ትግራይ እናተለቃሕኻ ህዝቢ ምብራስ ግን ኣይግበኦን" ኢሎም።
* ህዝቢ ትግራይ ካብ ውርደትን ብርሰትን ነፃ ንምውፅእ እቲ በዓል ከም ሓደ መሳርሒ ክጥቀመሉን **"ዘበት ብሄራዊ ብርሰት!"** ብምባል ንፀላኢ ክምክት ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

✨ **ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ — ኣይተ ዶሪ ኣስገዶም፦**

* ናይ ሎሚ ዘመን በዓል ኣሸንዳ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ናብ ስልጣኑ ኣብ ዝተመለሰሉ እዋን ዝኽበር ብምዃኑ፣ ኣካል መኸተና ክኾን ይግባእ።
* እቲ በዓል ብዕውት ኣገባብ ንምክያድ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብዝተዋደደ መንገዲ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
* ካብቶም ዝተሓዘዩ ፍሉያት መደባት ሓደ ውድድር **"ኣምባሳደር ኣሸንዳ"** ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

✨ **ሓላፊት ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ — ወይዘሮ ሸዊት ኣዲሱ፦**

* ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ከይተሰኮና በቢዓመቱ በዓል ኣሸንዳ እናኽበራ ምምፅአን ገሊፀን።
* ኣብ ቴንዳ ዝርከባ ተመዛበልቲ ኣሓትና ዘለወኦ ከቢድ ኩነታት ብምዝካር፣ ደቂ ኣንስትዮ ተወዲበንን ሓድነተን ኣጠናኺረንን ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝበን ንምርግጋፅ ክምክታ ከምዝግባእ ፀዊዐን።
* በዓል ኣሸንዳ ብዕውትን ብድምቀትን ንኽኸብር ኩሉ ወገን ኣበርክቶኡ ክገብር ፃውዒት ኣቕሪበን።

#ኣሸንዳ2018

24/07/2026
23/07/2026

ፕሬዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፣ ኣብ ሓጺር እዋን መሬት ትግራይ ንምምላስን ዝተፈናቐሉ ወገናት ድማ ናብ መረበቶም ንምምላስን መንግስቶም ብትግሃት ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጦም።

Address

..
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Today posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share