10/29/2026
ንምንታይ bulbar ALS ንምዝራብ የጸግም
ቡልባር ኤ.ኤል.ኤስ. ነርቭታት ሓንጎል የዳኽም። እዞም ነርቭታት ንዘረባን ንምብላዕን ንጥቀመሎም ጭዋዳታት እዮም። ነርቭታት ምስ ደኸሙ፡ ጭዋዳታት ይደኽሙ፡ ምዝራብ ድማ የጸግም።
እቶም ቀንዲ ምኽንያታት እዞም እዮም፡
1. ናይ ምዝራብ ጭዋዳታት ምድካም
# መልሓስ (Tongue): ቃላት ብንጹር ምብል ይኣብዮ።
ከናፍርን ምዕጉርትን (Lips & Cheeks): ቃላት ኣብ ምውጻእ ይደኽሙ።
# ትንሓግ (Soft Palate): ድምጺ ብኣፍንጫ ዝወጽእ (ናሳል) ይመስል።
# ጎሮሮን ኣወታር ድምጺን (Larynx & Vocal Cords): ድምጺ ብንጹርን ብሓይልን ኸወጽእ ኣሸጋሪ ይኸውን ።
2. ዘይንጹር ዘረባ (Dysarthria)
ጭዋዳታት ምስ ደኸሙ ዘረባ ዘይንጹር ይኸውን። ገለ ግዜ ድማ ድኹምን ብኣፍንጫ ዝወጽእን ይመስል።
3. ናይ ድኻም ወይ ምስትንፋስ ጸገም (Breathing & Fatigue)
ድምጺ ይደክም (ብሕሹክሹክታ ይኸውን)።
ኣብ ሞንጎ ዘረባ ብቕልጡፍ ናይ ምስትንፋስ ድኽመት የጋጥም።
ብድኻም ምኽንያት ዘረባ ዝያዳ ዘይነጸረን ንኽትሰምዖ ኣጸጋሚ ይኸውን ።
ዝሕግዙ መገድታት (Communication Supports)
# ናይ ዘረባ ክኢላታት (Speech-Language Pathologists): ዘረባኻ ብከመይ ከም እተመሓይሽ ይመክሩ።
# ድምጺ ባንኪግ (Voice Banking): ድምጽኻ ኣቐዲምካ ብምቕራጽ፡ ድሕሪኡ ብገዛእ ድምጽኻ ንኽትዛረብ የኽእል።
መወከሲ ኣፕሊኬሽናት (AAC Devices): ብጽሑፍ ናብ ድምጺ ዝቀይሩ ኣፕስ ወይ ብዓይኒ ዝሰርሑ ኮምፒዩተራት ብምጥቃም ሓሳባትና ኽንገልጽ ንኽእል።
ALSawareness BulbarALS